ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሰራሕተኛታት እቲ ፕሮጀክት፣ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ተሳቲፎም።
ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክፍሌ ሆሮ (ኢ/ር)፥ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝካየድ ተኸላ ፈልሲ ነቲ ግድብ ካብ ደለል ንምክልኻልን ሓይሊ ዝፍልፍለሉ ዕድመ ክናዋሕን ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓምለዋይ ልምዓት ንነዊሕ እዋን ንክፀንሕ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ቅድመ ሐዚ ኣብ ከባቢ እቲ ግድብ ዝግበር ዝነበረ ተኸላ ፈልሲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ድሕንነት እቲ ግድብ ንምሕላው ህዝቢ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ኢንጅነር ክፍሌ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።