ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ዝሰርሑ ከንትራክተራት ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢጅነር ስለሺ በቀለ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እናሰርሑ ምስ ዝርከቡ ከንትራክተራት ተዛትዮም።

እቶም ኮንትራክተራት ኣብ ከይዲ ስራሕ እቲ ግድብ ብፍላይ ኣብ ዝተዋደደ ትልሚ ስራሕ ዘድሃበ ፀብፃብ ነቶም ሚኒስትር ኣቕሪቦምሎም።

ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ ድሕሪ እቲ ዘተ፥ ቀፃሊ ተግባር ብዝምልከት ነቶም ኮንትራክተራት ኣንፈት ሂቦም ኢዮም።

ኮሚቴ ቴክኒክ ግድብ ህዳሰ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣመላልኣ ማይን ኩነታት ከይዲ ስራሕን እቲ ግድብ ዝምለከት ፀብፃብ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ዙሪያ እቲ ግድብ እናተገበሩ ዝነበሩ ሰለስተኣዊ ድርድራት ብዝምለከት መብርሂ እውን ኣቕሪቡ ኢዩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፥ ሃይድሮሎጂ ሩባ ኣባይ፣ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ፣ ዝኸፍአ ድርቂን ድርቂ ንምክልኻል ዝኸውን ቅድመ ምድላው ከምኡ እውን ግቡእ ሓበሬታ ንምሓዝን ንምልውዋጥን ዝተዳለዉ ዝተዋደዱ ስርዓታት ዝበሉ ዓበይቲ ጉዳያት ዘካተተ ምንባሩ ተገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment