ኣብ ዓሰርተ ከተማታት መመሓየሺ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ተግባራዊ ክግበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መመሓየሺ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተመረፁ ዓሰርተ ከተማታት ተግባራዊ ከምዝግበር ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብምኽንያት ነዊሕ እዋን ዘቑፀሩ መስመራት ዝርገሐ ኣብ ከባብታት ከተማ እናጋጠመ ዘሎ ፀገም ምቑርራፅ ሓይሊ ንምቕራፍ እዩ መመሓየሺ ዝግበር፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምቦ፣ ሱሉልታ፣ ቢሾፍቱ፣ ኣሰላ፣ ደብረ ብርሃን፣ ዲላ፣ ሆሳእና፣ አሶሳን ጅግጅጋን ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ፐሮጀክት÷ ናይ ከተማታት ሓይሊ ክሽከም ዝኽእል መስመራት ብምዝርጋሕ እናተፈጠረ ዝርከብ ፀገም ምቑርራፅ ሓይሊ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኢዩ፡፡

ፍልፍል ገንዘብ እቲ ፕሮጀክት ባንኪ ዓለም እንትኸውን÷ እቲ ስራሕ ተሰሪሑ ንምዝዛም 100 ሚሊየን ዶላር ተመዲብሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ንምዝዛም ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ እውን ኣብ ሽዱሽተ ማእኸላይ ከተማታት ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ከምዝተግበረ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ መረዳእታ ብምፅራሕ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment