ኣብ ዓመት ልዕሊ ብር 200 ሚሊየን ከስእን ኣብ ዝኽእል ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓመት ልዕሊ ብር 200 ሚሊየን ከስእን ኣብ ዝኽእል ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝገበረ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ኣብ ዝፍፀመሎም ቦታታት ጥቡቕ ስራሕቲ ክትትል ሓበሬታ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ ኣርባዕተን ክፍለ ከተማ ልደታ ወረዳ ሸሞንተን ብዝተኻየደ ወፍሪ ብዘይሕጋዊ መልክዑ ዓለም ለኻዊ ፃውዒት ስልኪ ብምጥላፍ ብናይ ባዕሎም መስመር ንዓማዊል ብምቕራብ ዘይሕጋዊ ተግባር እናፈፀሙ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ኣፍልጦ ኢትዮ ቴሌኮም ወፃእ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ፃውዒታት ብምምሕልላፍ ናይ ባዕሎም ኣታዊ እናኣከቡ ምፅሖም ገሊፁ።

እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር እንተዘይፍሽል፥ ንኢትዮ ቴሌከኮም ኣብ ዓመት ልዕሊ ብር 200 ሚሊየን ከስእኖ ይኽእል ከምዝነበረ ተገሊፁ።

በቲ ተግባር ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትውዕሉ፥ እናተገልገሉሎም ዝነበሩ 10 ጌትዌይ(ሲምቦክስ)፣ 17 ቲፕሊንክ ፣ 59 ሲዲ ኤም ኤ፣ 3 ራውተር ፣ 2 ሺሕ ሲም ካርድ፣ 3 ላፕቶፕ፣ ደፋትር ባንኪ፣ ሲፒኦታትን ካልኦት ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን ብኤግዚቪትነት ከምዝተትሓዙ እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣገንዚቡ።

ዘይሕጋውያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንምውዓል ኣብ ዝተገበረ ከይዲ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ከምዝነበረ እውን ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ኣብ ቀፃሊ ዘይሕጋዊ ሰባት ኣብ ምቅላዕ ዝገብሮ ዝተለመደ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment