ኣብ ዓለም 50 ሚሊየን ሰባት “ኣብ ዘበናዊ ባርነት” ይርከቡ – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መላእ ዓለም 50 ሚሊየን ሰባት “ኣብ ዘበናዊ ባርነት” ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ሰባት ኣብ ዘይደልዩዎ ስራሕ፣ ዘየሕጋወ መርዓን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታትን ሰራሕተኛታትን ዘውጸኦ ውፅኢት መፅናዕቲን ፀሪሑ እቲ ውድብ ገሊፁ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ዝኾኑ ካብ ድሌት ወፃእ ኣብ ዘይደልዩዎ ስራሕ እንትዋፈሩ÷ ዝተረፉ ድማ ብግዲ ሓዳር መስሪቶም ኢሉ እቲ ውፅኢት መፅናዕቲ።

ብመሰረት እቲ ስልሒት ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ 150 ሰባት እቲ ሓደ “ኣብ ዘበናዊ ባርነት” ከምዝርከቡ ካብቲ ትካል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment