ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 85 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 85 ሚሊየን ምሕላፉ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 85 ሚሊየን 601 ሺሕን 16 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ 1 ሚሊየን 853 ሺሕን 15 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 21 ሚሊየን ዜጋታት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ልዕሊ 360 ዜጋታት እውን ንሕልፈት ተቓሊዖም ኢዮም፡፡

ህንዲ፣ ብራዚል፣ ሩሲያ ከምኡ እውን ፈረንሳይ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ደረጃ ዜጋታተን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙወን ሃገራት ኮይነን፡፡

ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ግብፂ፣ ቱኒዚያን ኢትዮጵያን ድማ ካብ ኣፍሪካ እቲ ቫይረስ ብልዑል ብርኪ ዝተስፋሕፈሐለን ሃገራት ኢየን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ብብርኪ ዓለም ካብቲ ቫይረስ ዝሐሾም ሰባት ቁፅሮም ልዕሊ 60 ሚሊየን 485 ሺሕ ከምዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ወርልድ ኦሜትር የመላኽት፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment