ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ንምስታፍ ኣጋይሽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ተተኣናግዶ መበል 17 ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ንምስታፍ ኣጋይሽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ላዕለዋይ ልኡኽ ጉዳያት ቴክኖሎጂ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣማንዲፕ ሲንጊህ ጊሊን ሚኒስትር ኢንፎርሜሽንን ዲጂታላይዜሽንን ኣቐባሊ ቃል መንግስቲ ማላዊ ጎስፔል ካዛኮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

እቶም ኣጋይሽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ምክትል ዋና ፀሓፊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊ ጁንሁዋን ሚኒስትር ኢንፎርሜሽን፣ ኮሙዩኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ፓፓዋ ኒው ጊኒ ቲሞቲ ማሲዩ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment