ኣብ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ቶላ ቂጣታ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ዝተዛዘመ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ሹራ ቅጣታ ተዓዊቱ።

ሹራ ቅጣታ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 41 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ኢዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብቲ ውድድር ኬንያዊ ቪንሰንት ኪምቾምባ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 42 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ እንትወፅእ፥ ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማ ድማ ብ2 ሰዓት 5 ደቒቕን 42 ሰከንድን ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ካብ ራብዓይ ክሳብ ሳድሻይ ዘሎ ውፅኢት እውን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሞስነት ገረመው፣ ሙሌ ዋስይሁንን ታምራት ቶላን ተኸታቲሎም ኣቲዮም።

ትፅቢት ዝተገበረሉ ኬንያዊ ኢሊዩድ ኪፕቾጌ ሻምናይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment