ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ተቐባልነት የብሉን – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሉኣላዊት ሃገር ኢድ ምእታው ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን” ክብል ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ “ንኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኢየ፤ ድምፀይ ከስምዕ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ሓደሓደ ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝሓዙዎ ቅዋም ብፅኑዕ ኮኒኑ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባር ዝሓዙዎ ቅዋም ንፁሃን ዜጋታት እታ ሃገር ዝጎድእ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ÷ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሉኣላዊት ሃገር ኢድ ምእታው ስለዝኾነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እቲ ቤት ምኽሪ ኮኒኑዎ፡፡

እቶም ሓይሊታት ወፃኢ ካብዚ ቅዋሞም ተኣሪሞመ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጠጠው ንኽብሉ እውን ሓቲቱ፡፡

ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ልዝብ ሰላም ኣብ ሽትኡ ንኽበፅሕ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣገንዚቡ፡፡

ኢትዮጵያውያን÷ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላላያ ክልላትን “ንኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኢየ ድምፀይ ከስምዕ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ሰልፊ ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment