ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 1 ሚሊየን ዜጋታት ንምኽታብ ዘኽእል ወፍሪ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 1 ሚሊየን ዜጋታት ንምኽታብ ዘኽእል ወፍሪ ከምዝተጀመረ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዮሐንስ ጫላ ኣፍሊጦም።

ብልዑል ኩነታት ዝላባዕ ዘሎ ኮቪድ 19 ብርብርብ ምዕጋት እንተዘይተኻኢሉ ዋጋ ከኽፍል ከምዝኽእል እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ዶክተር ዮሐንስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ብኮቪድ 19 ናይ ምትሓዝ ምጣነ፣ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ቁፅሪን ብምኽኒያት እቲ ሕማም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባትን ቁፅሮም ኣዝዩ ወሲኹ ኢዩ።

ስለዝኾኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምርብራብ ክዓግትዎ እንተዘይክኢሎም እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ዋጋ ከኽፍል ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

እቲ ምልባዕ ምውሳኹ ስዒቡ ኣብ መምርሒ ቁፅሪ  30 ዝነበሩ ክልከላታት ዘቐፅል ሓደ ሓደ ምምሕያሻት ዘካተተ ዝተመሓየሸ መምርሒ መከላኸሊ ኮቪድ 19 ቁሪ 803/2013 ዕላዊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment