ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ ብር 33 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕብር 33 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተትሓዙ ኢየም ተባሂሉ።

ክብ ሞንጎ እዚኣቶም ብር 31 ሚሊየን 253 ሺሕን 301 ዝግመት ንብረት ናብውሽጢ ዓዲ ንምእታው እንትፍተን ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ብር 2 ሚሊየን 176 ሺሕን 760 ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ድማ ናብ ወፃ እናተጉዓዙ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብፍተሸ ብርበራን ኣብ ተሸከርከርቲ ብዝተገበረ ክትትልን ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ኣመራርሓታት ሰራሕተኛታትን ጉምሩክን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ተዋዲዶም ብምስራሕ ልዑል መጠን ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ፡፡

ህዝቢ ፅሬቱን ድንነቱን ዘይተረጋገፀ ፍርያት ካብ ምጥቃም ንምድሓን፤ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ካብ ታክሲን ቀረፅን ኣታዊ ንኽትረክብ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ኮሚሽን ጉምሪክ ብዕቱብ እናሰርሑ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር እቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment