ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ጄት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውቃዕ ኣውዲቐ ኢየ ብዝብል ዝገለፆ ፍፁም ሓሰት ኢዩ- ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ጄት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውቃዕ ኣውዲቐ ኢየ ብዝብል ዝገለፆ ፍፁም ሓሰት ኢዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ገሊፆም።

ሜጀር ጄኔራል መሐመድ፥ እቲ ሓይሊ ኣየር ሐዚ እውን እንተኾነ ዝተመረፁ ቦታታት ናይ ምጥቃዕ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ብሓይሊ ምክልኻል ሃገር ብይበፅሖ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ከባቢታት እናለቐቐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ሜጀር ጄኔራል መሐመድ፥ ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻታትን እቲ ክልል ብሰላም ኢዶም ይህቡ ምህላዎም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment