ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ገበነኛ ጉጅለ ፍርሒ ንምንዛሕን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምብፃሕን ዘኽእሎ ኣፈፃሚ መርበብ ምጥያሹ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ገበነኛ ጉጅለ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን እዛ ሃገር ፍርሒ ንምንዛሕን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃምን ዘኽእሎ ኣፈፃሚ መርበብ ምጥያሹ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅን ኦፕሬሽን ምኽባር ሕጊን ዘፃሪ ከምዝበሎ፥ ጎንፂ ንምልዓልን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምክያድን ተልእኾ ካብ ህወሓት ብምውሳድ ኣብ ምንቅስቓስ ኣለዉ ተብሃሎም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ፌዴራልን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቁፅፅር ይውዕሉ ኣለዉ።

እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ናብራን ዓውዲ ስራሕን ዝተውፃእፅኡ፣ ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ድምር ቁፅሮም ኣስታት 150 እንትኾኑ፥ ካብ መንጎ እቶም ተጠርጠርቲ ዝተወሰኑ ዝፈጥርዎ ስግኣት ፀፅታ ንኡሽተይ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ብዋሕስ ተሰዲዶም ኢዮም።

ሓደ ሓደ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብዝተሰሓሓተ መገዲ ቁፅሪ ተጠርጠርቲ ዘይተረጋገፀን ዝተጋነነን መረዳእታ ይውዝዑ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣሰራርሓን ደንቢን ኣኽበርቲ ሕጊ ዝተኸተለ እንበር ከምዝውረ ኣብ ማንነት ዝተደረኸ ውልቀ ሰባት ዘጥቀዐ ኣይኮነን ተባሂሉ።

ኩሎም ዓለም ለኻዊ መሻርኽቲን ተወሳእቲን ብጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝፍፀም ዘሎ መረዳእታ ሓሾት ልቢ ንክብሉ ፃውዒት ነቕርብ ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment