ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘጋጥም ምምዝባል ዘላቕ መፍትሒ ኣብ ምትእልላሽ ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምስ ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳይ ተመዛበልቲ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮበርት ፓይፐርን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘጋጥም ምምዝባል ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝተሰርሑ  ስራሕቲ ከምኡ እውን እቲ ሓደጋ እንተጋጥም ንምካት እናተተግበሩ ኣብ ዝርከቡ ስትራቴጂታት ኣድሂቦም ተያይጦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን መንግስቲ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ዝመፅእ ምምዝባል ንምትራፍ ኢሉ እውን ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ጉድኣት ንምንካይ ፍሉይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ ኣሎም።

እቲ ፀገም ኣብ ዘጋጥመሎም ከባቢታ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ዝሕግዙ ስራሕቲ ልምዓት ትኹረት ብምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ ዘኽእል ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዝምራሕን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝሓዘ ቤት ምኽሪ ተጣይሹ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ናይ መንግስቲ ፃዕሪ ዓለም ለኸ መሓዙት ኣካላት ንኽድግፉ ፀዊዖም።

ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳይ ተመዛበልቲ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮበርት ፓይፐርን ብገድኦም÷ ትካሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ መፍትሒ ንመሃብ እናሳለጠቶ ትርከብ ተግባር ካልኦት ሃገራት ብሰናይ ተሞክሮ ክውሰድ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment