ኣብ ውሽጢህወሓት ዘሎ ጉጅለ ብዙሓት ነበርቲ ዓፊኑ ብምውሳድ ሰዊሩዎም – ነበርቲ ከተማ ዳንሻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢህወሓት ዘሎ ጉጅለ ብዙሓት ነበርቲ ዓፊኑ ብምውሳድ ከምዝሰወሮምን ክሳብ ሕዚ ዘለዉዎ ከምዘይፍለጥን ነበርቲ ከተማ ዳንሻ ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ዳንሻን ከባቢኣን ካብ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ናፃ ምውፃኣ ኣመልኪቶም ሓጎሶም ገሊፆም።

ትካላት ጥዕና፣ ዱንኳናት፣ ወሃብቲ ግልጋሎት ትራንስፖርትን እታኸተማ ተኸፊቶም ነበርቲ ናብ ስሩዕ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝኣተዉ እውን ተገሊፁ።

እቶም ነበርቲ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ልዑል ሰብኣዊ ጉድኣት እናብፀሐሎም ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ብባዕዳዊ ግዝኣት ሒዙዎም ብምፅንሑ፥ ለውጢን ሰላምን ከይመፅእ እናሰርሐ ከምዝነበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ከምዝድግፉ እውን ገሊፆም፡፡

“ኣብ ቀፃሊ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ንምጥንኻር ሓገዝ ክንገብር ኢና” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment