ኣብ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ወርሓዊ ክፍሊት ንክኸፍሉ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ኣግባብ ኣይኮነን-ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ወርሓዊ ክፍሊት ኣመልኪቶም ዝገብርዎ ዘለው ዘይምዕሩይ ተግባር  እቶም ትካላት ባዕሎም መፍትሒ እንተዘይኣቐሚጦም ብግብረ ሓይሊ ከምዝረእ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ገ/መስቀል ካሕሳይ ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ዝተጀመረ ትምህርቲ ብሬድዮ ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ተምሃሮ ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማም ቫይረስኮሮና  ዓርሶም ንምድሓን ዓሊሙ ኣብያተ ትምህርቲ ንኽዕፀዋ ምውሳኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ፥ ነዚ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ተምሃሮ ካብ ገዝኦም ከይወፅኡ ምስ ቤተሰቦም ብምዃን ትምህርቲ ብሬድዮ ንክመሃሩ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ኣብ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዘምህሩ ወለዲ ወርሓዊ ክፍሊት ንክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለው ሓቢሮም።

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ተላባዲ ሕማም  ቫይረስኮሮና ተታሓይዙ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ኣግባብ የብሉን ክብሉ ዶ/ር ገ/መስቀል ገሊፆም።

ምስ ወለዲ፣ መምህራን ሕብረት ተረዳዲኦም ተዘይፈቲሖምዎ ብብርኪ ክልል ተጣይሹ ብዘሎ ግብረ ሓይሊ መፍትሒ ከምዝግበረሉ ድማ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ቫይረስኮሮና ምክንያት ብምግባር ትምህርቲ ብሬድዮ ምስ ምሃብ ስዒቡ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ትግራይ ዝርአ ዘሎ ምቁርራፅ ተምሃሮ ሓላፍነት ዝተውሃቦም መምህራን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ዶ/ር ገ/መስቀል ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment