ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካዛንችስ ኣብ ዝርከብ  ካምፕን መጥቃዕቲ ከብፅሑ ሃቂኖም ኢዮም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ኣርባዕተ መኮንናት ናብ ቤት ፈርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ቤት ዕዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካዛንችስ ኣብ ዝርከብ  ካምፕን መጥቃዕቲ ከብፅሑ ሃቂኖም ኢዮም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ኣርባዕተ መኮንናት ናብ ቤት ፈርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ሻለቃ እብዩ ገብረ መድህን፣ ሌተናል ኮሎኔል አስረስ በርሃ፣ ሃምሳ አለቃ ማዕረግ ንጉስን ኮሎኔል ሰለሞን ገብረ ሚካኤልን ኢዮም።

ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምፍራስ ፈተነ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ይግበረሎም ዘሎ እንትኸውን፥ ዓውዲ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ቅድመ ሐዚ ብዝተውሃቦ ተወሳኺ ምርመራ መዓልታት ናይ ዝሰርሖ ምርመራ ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣብ ዝሰርሕሉ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብኦፕሬተር ዶዘር ኣብ ወሰን ዓፋርን ትግራይን ንጉጅለ ፀረ ሰላም ዝኸውን ድፋዕ ይኹዕቱ ከምዝነበሩ ብመረዳእታ ኣረጋጎፀ ኢየ ኢሉ ናብ ቲ መጋብእያ ኣቕሪቡ።

ሳልሳይ ተጠርጣሪ ሃምሳ አለቃ ማዕረግ ንጉስ ኣብ ከባቢ ኣምባሳደር ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካዛንችስ ኣብ ዝርከብ  ካምፕን ልኡኽ ተቐቢሎም መጥቃዕቲ ከብፅሑ ሃቂኖም ከምዝነበሩ ዘርእይ መረዳእታ ከምዝኣከበ መርማሪ ፖሊስ ኣረዲኡ።

ራብዓይ ተጠርጣሪ ኮሎኔል ሰለሞን ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን እዚ ደቡብ ብምዃን አንትሰርሑ ምስ ካልኦት ግብረ ኣበራት ብምዃን ኔት ዎርክ ርክብ ሬዲዮ እዚ ሰሜን ንክቋረፅ ብምግባር ኣብቲ እዚ መጥቃዕቲ ንክፍፀምን ነክውረርን ከምዝገበሩ ዘርእይ መረዳእታ ከምዝኣከበ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

ብሓፈሻ እቶም ተጠርጠርቲ መረዳእታ ብምቕባል ገበን ተሳቲፎምኦም መረዳእታ ከምዝኣከበ ብምግላፅ፥ ንተወሳኺ ምርመራ ተወሳኺ ግዘ ንክወሃቦ ሓቲቱ።

ቀዳማይ፣ ካልኣይን ራብዓይን ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ እቲ ገበን ከምዘይፈፀሙ ብምግላፅ ተወሳኺ ግዘ ክወሃብ ኣይብሉን ክብሉ ተኸራኺሮም፤ ቤት ፍርዲ እውን ብናፃ ንከሰናብቶም ሓቲቶም።

ሳልሳይ ተጠርጣሪ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጥሮታ ከምዝወፅኡ በምሕባር፥ ኣብ ቤት ዕዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተረኸብኩሉ ምኽኒያት ጨረታ ክጫረት ኢለ ኢየ ኢሎም፤ ተሽከርካሪኦም እውን ከምዝተትሓዞም ገሊም።

መርማሪ ፖሊስ እውን እቶም ተጠርጠርቲ እንተወፂኦም ሓለፍቲ ስራሕ ምስ ምዃኖም መረዳእታ ከጥፍኡለይን ምርመራይ ከተዓናቕፉኒን ይኽእሉ ኢዮም ክብል ተቓውሞ ኣቅሪቡ።

ናይ ክልቲኦም ክርክር ዘዳመፀ እቲ መጋባእያ፥ ምስ ዝተጀመረ ሰፊሕ ምርመራ ብምትሕሓዝ ተወሳኺ 14 መዓልታ ምርመራ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

 

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment