ኣብ ወፍሪ ህልውና መስዋእትነት ንምኽፋል ከምዝተዳለወ ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ክሳብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን እናበፅሐ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምምካት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉው ከምዝኾነ ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣለባቸው ደሳለኝ፥ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምጥፋእ ቀይሕ ካርዲ ዝመዘዙሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ሰራዊት ምክልኻል ንምድጋፍ ከምኡ እውን ታሪኻዊ ግቡኡን ብሄራዊ ሓላፍነቱን ንምውፃእ ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓገዛት እናገበረ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ተበግሶ ክብ ብምባል ካብ ውሽጢ ዓዲ ጀሚሩ ክሳብ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናበፅ ዝርከብ ፀዕንቶ ንምምካት ኣብ ምድላው ይርከብ ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment