ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕክምና ካንሰርን ልቢን ሓዊሱ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ጥራሕ እናተውሃቡ ዝነበሩ ሕክምናታት ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ንመሃብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሆስፒታል ሚሊኒየም ኮሌጅ ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 160 ሺሕ ሰባት ዝተፈላለዩ ሕማማት ካንሰር ከምዝተሓዙ ተሓቢሩ፡፡
ፕሮቮስት ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ዶክተር ወንድማገኝ ገዛኸኝ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ በበግዚኡ እናወሰኹ ዝመፅኡ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።
እቲ ሆስፒታል ካብ መንግስቲ ብዝተመደበ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር በጀት፥ ህንፀት ማእኸል መውሃቢ ሕክምና ካንሰር፣ ንቕለ ተኸላ ልቢን ኩሊትን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እተን ማእኸላት፥ ልዕሊ 40 መውሃቢ ተመላለስቲ ሕክምና ኬሞ ቴራፒ ክፍሊታት፣ 11 ክፍሊታት መጥባሕቲ ሕክምና፣ ከምኡ እውን ሓሙሽተ መውሃቢ ሕክምና ጨረር ኣለወን ኢሎም።
እተን ማእኸላት ስራሕ እንትጅምራ ሕፀረት ሰብ ሞያ ከይፍጠር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ዝሓበሩ ዶክተር ወንድማገኝ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ሰብ ሞያ ንኽስልጥኑ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡
ፍልፍል፦ ግዜኢ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!