ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ፀገም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብዘለዉዎ ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ፀገም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብዘለዉዎ ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣብዱልኣዚዝ ኣሕመድ፥ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ገሊፆም።

ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ሃሊዩዎም ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ዜጋታት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ስርሖም ብምዝሕሓሉ ኣብ ፀገም ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ምግቢ ሱዑዲ፣ ኮሚኒቲ ኢትዮጵያን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር በቢመንበሪኦም ምግቢ ንክቐርበሎም ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ወገናት ከምዝርከቡ ዝገለፁ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ እታ ሃገር ሱሌማን ደደፎ ተዛሪቦም።

ብምኽኒታት ቫይረስ ኮሮና ስራሖም ዝፈትሑ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

መሰል ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንምሕላው ዘኽእል ስራሕ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ይስራሕ ምህላዉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment