ኣብ ወርሒ ጉንበት 12 ከተማታት ተረባሕቲ ግልጋሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኾና ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት 2012 ዓ.ም 12 ከተማታት ተረባሕቲ ኣገልግሎት ዝህደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ ተበፃሕነት ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 44 ሚኢታዊ ጥራሕ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ እቶም 33 ሚኢታዊ ካብ ዋና ቋት ኤሌክትሪክ ግልጋሎት ዝረኽቡ እንትኾኑ፥ እቶም ዝተረፉ 11 ሚኢታዊ ድማ ካብ ግልጋሎት ዝህደስ ሓይሊ ዝጥቀሙ ኢዮም።

ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምስፍሕፋሕን ኣብ ኩለን ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ንኽኾኑ፥ መርሃ ግብሪ ኤሌክትሪፊኬሽን ሓንፂፁ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ትግበራ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ድማ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይበፅሐን 12 ከተማታት ተመሪፀን ካብ ዝህደስ ሓይሊ ኣገልግሎት ንክረኽባ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከባ እተን 12 ናይ ወረዳ ከተማታት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድላወን ከምዝወገና ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ንፋና ብሮድካቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ወርሒ ጉንበት ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኽባ ከተማታት፥ ሓንቲ ከተማ ኣብ ክልል ትግራይ፣ 3 ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ 2 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን 2 ከተማታት ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከባ ኢየን።

ኣብ ካልኦት ክልላት ድማ ሕድሕደን ሓንቲ ወረዳ ተረባሒት ከምዝገብራ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እተን ከተማታት ክሳብ ሕዚ ተረባሕቲ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ዘይኮና ኢየን ዝበሉ ኣይተ ሽፈራው፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስ ረኸባ ድማ ኣብተን ከተማታት ዝርከቡ 70 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

እተን 12 ከተማታት ካብ ዝሕደስ ሓይሊ ተረባሕቲ ንኽኾና ዝተትሓዘለን ትልሚ መሰረት ብምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

ንመፈልፈሊ ሓይሊ ጥራሕ 8 ሚሊየን ዶላር ሜሪካ ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment