ኣብ ወርሒ ጉንበት ልዕሊ ብር 135 ሚሊየን ዝገመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ጉንበት ልዕሊ ብር 135 ነጥቢ ሚሊየን ዝገመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ኣፍሊጦም።

348 ስርሒት ቱርኪ ዝኾኑ ሽጉጣትን 300 ጠያይቲን ከምዝተትሓዙ እውን ገሊፆም።
እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ኣብ ኩለን ጣቢያታት ጉምክ ብዝተገበረ ጥቡቕ ክትትልን ተፍትሽን ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣይተ ላቀ እቲ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ንኽስራሕ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ኮሚሽን ጉምሩክ ከምኡ እውን ሓይሊታት ፀፅታን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ኣድካሚ፣ ዝተሓላለኸን ከቢድን ይኹን እምበር ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment