ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 190 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታ ሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ወርሒ ሕዳር ካብ ንግዲ ወፃኢ 190 ነጥቢ 73 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ምህርትታት ሕርሻ ፣ ማኒፋክቸሪንግን ውፅኢታት ማዕድንን 289 ነጥብ 15 ሚሊየን ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተተሊሙ 190 ነጥቢ 73 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ።

እቲ ኣታዊ ብሚኢታዊ እንትስላዕ ድማ፥ 65 ነጥቢ 96 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ካብ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኣታዊ ምስ ዓሚ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ንካይ ዘርኣየ እንትኸውን፥ ዕጣን፣ ዕምበባን ኤሌክትሪክን ድማ ልዕሊ ትልሚ ኣፈፃፅማ ክምዘመዝገቡ ተገሊፁ።

 

Comments (0)
Add Comment