ኣብ ወርሒ ለካቲት ልዕሊ ብር 21 ነጥቢ 9 ቢሊየን ምእካቡ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ለካቲት ልዕሊ ብር 21 ነጥቢ 9 ቢሊየን ምእካቡ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ዝተረኸበ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እንትነፃፀር 12 ሚኢታዊ ሓለፋ ምርኣዩ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ከይዲ ኣተኣኻኽባ እቶት ዕዉት ከምዝነበረ ይግለፅ እምበር ግብሪ ዘይኸፍሉ ከምዘለዉ ገሊፁ፡፡

ደረሰይ ዘይ ምቑራፅ፣ ዋጋ ዕዳጋ ነኪኻ ደረሰይ ምቑራፅ፣ ብናይ ሓሶት መንነት ናይ ፈጠራ ትካላት ብምጥያሽ ናይ ሓሶት ደረሰይ ኣሀቲምካ ምጥቃምን ምሻጥን፣ ወፃኢ ምብዛሕ ከምኡ እውን ኮነ ተባሂሉ ኣታዊ ምንካይን ግብሪ ንምሕባእን ንምስዋርን ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment