ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ዶዶላ ከተማ ኤዶ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ሓደጋ ብኽልተ ተፃረርቲ መስመራት እንትጓዓዛ ዝነበራ ናይ ህዝቢ ተሽከርከርቲ ብምልታመን ዝተፈጠረ ኢዩ ተባሂሉ።
ሓላፊ ክፍሊ ድሕንነት ትራፊክ እቲ ዞባ ኮማንደር ከማል ኣማን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ በቲ ሓደጋ ካልኦት 19 ሰባት እውን ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።
ኣብ ቀረብኦም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ይገብሩ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።