ኣብ ወረዳ ይርጋጨፌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጌዴኦ ወረዳ ይርጋጨፌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ።

መበገሲኣ ሞያሌ ዝገበረትን ዘበናዊ ዱኽዒ መዳበሪያ ዝፀዓነት ከባድ ተሽከርካሪት ምስ ሞተር ሳይክል ብምግጫዋ ዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ወረዳ ይርጋጨፌ ወቴ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ሎሚ ረፋድ ሰዓት 4 ከምዘጋጠመ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment