ኣብ ወረዳ ዓድዋ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘራእቲ ስርናይ ኣብ ዝተሸፈነ 3.75 ሄክታር መሬት ዕንወት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘራእቲ ስርናይ ኣብ ዝተሸፈነ 3 ነጥቢ 75 ሄክታር መሬት ዕንወት ኣብፂሑ።

ብሰንኪ እቲ ብጋህሲ መሬት ሙሉእ ንሙሉእ ዕንወት ዘጋጠሞ ግራውቲ ዘስዓቦ ጉድኣት፥ ወነንቲ እቲ ግራውቲ ዝኾኑ 21 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ተጎዳእቲ ከምዝኾኑ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ ወረዳ ዓድዋ ሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ዘለናሉ እዋን ክራማት ምዃኑ ብምግንዛብ ብሰንኪ ከቢድ  ዝናብ ስዒቡ ካብ ዘጋጥም ኩለ መዳይ ሓደጋ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣገልግግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ 22 ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ምስ ዝናብ ክራማት ተዛሚዱ ንሓደጋታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ መትሕስሳቡ ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment