ኣብ ወረዳ ወረባቡ ብዘጋጠመ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 400 ሄክታር መሬት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ወረባቡ ብዘጋጠመ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 400 ሄክታር መሬት ጉድኣት በፂሑ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግብርና እቲ ወረዳ ኣተ ሙዑዝ መሐመድ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ካብ 20 ሰነ 2013 ጀሚሩ ኣብቲ ወረደ ተራእዩ።

እቲ ዕስለ 10 ኢኢታዊ ኣብ ዝኾነ ኣዝርእትን 5 ሚኢታዊ ሳዐርን ኣግራብን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ብብህላዊ መገዲ ንምክልኻል ፃዕሪ የገብር ኣሎ ኢሎም።

ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል ንምግባር መሰ ዝምልከቶ ኣካል ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ብከድር መሀመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment