ኣብ ወረዳ ወልቃይት ኣብ ዘመነ ምህርቲ ዓመተ 2012/13 ልዕሊ 56 ሽሕ ሄክታር ተሓራሲ መሬት ብዝራእቲ ክሽፈን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ወልቃይት ኣብ ዘመነ ምህርቲ ዓመተ 2012/13ዓ ልዕሊ 56 ሽሕ ሄክታር ተሓራሲ መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ከም ዝሽፈን ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓትን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት በዓል ሞያ ዝራእቲ ኣይተ ተሻለ ገብረዋህድ ከም ዝሓበርዎ፥ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ውዕሊ ብምእሳር መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ሰብ ስራሕ ዘመናዊ ዱኽዒታት የተኣታትዋ ኣለዋ።

ኩሉ ሓረስታይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልልን ሃገርን ዝረአ ዘሎ ባልዕ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝራእቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ብምርዳእ ክትትልል ክገብርን ክከላኸሎን ከም ዝግባእ እቶም በዓል ሞያ  ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ወልቃይት ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment