ኣብ ወረዳ ቦስት ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝተፈፀመ ቅትለት ስዒቡ የፃሪ ከምዘሎ ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ቦስት ዞባ ምብራቕ ሸዋ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ቅትለት ስዒቡ የፃሪ ከምዘሎ ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ግርማ ገላን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ምስቲ ዛዕባ ብዝተዛመደ ክሳብ ሐዚ ክልተ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣብ ከይዲ ምርመራ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ምክትል ኮሚሽነር ከምዝበልዎ፥ 22 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ቦሴት 14 ንፁሃን ዜጋታት ተቐቲሎም፤ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ 21 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ፈንታሌ ንዘመቻ ኣብ ዝተዋፈሩ 11 ፖሊሳት ኦሮሚያ መቕተልቲ ተፈፂሙ።

ክሳብ ሐዚ እቲ መቕተልቲ መን? ከመይ? ከምዝፈፀሞ ምፅራይ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ምፅራይ መበገሲ ዝኾኑን ዝተፈለዩን ጉዳያት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ክሳብ ሐዚ ከልተ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሎም።

ብምንይችል እዘዘው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment