ኣብ ወረዳ ቦሮና ብዘይሕጋዊ መገዲ አንትጎዓዓዝ ዝነበረ 120 ሸጓጉጢ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦሮና ብዘይሕጋዊ መገዲ አንትጎዓዓዝ ዝነበረ 120 ሸጓጉጢ ከምዝተትሓዘ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ሸጓጉጢ 1 ሚሊየንን 80 ሺን ብር ዝዋግኡ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ተወካሊ ምክትል ኢንስፔክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኡስማን ሰይድ፥ ብመሰረት ካብ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ዝተውሃበ ሓበሬታ መበገሲኡ ካብ ሰሜን ጎንደር ዝኾነ ሓደ ኮብራ መኪና 120 ፋልኮል ሸጓጉጢ ብምፅዓን ናብ ኮምቦልቻ እንትጎዓዓዝ ኣብቲ ወረዳ ሰዓት 6:00 ለይቲ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን ምዝራቦም ካብ ኮሚኒኬሽን እቲ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment