ኣብ ወረዳ ስልጢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ስልጤ ከባቢ ወረዳ ስልጢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሓለፈ ተወካሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ዋና ሳጅን ኣብድረማን ረዲ ገሊፆም።

ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3፡20 ካብ ወራቤ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጉዓዘት ዝነበረት ሲኖትራክ ካብ ቡታጅራ ናብ ከተማ መናሃሪያ እናተጓዓዘት ምስ ዝነበረት በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ተሽከርካሪት ተጋጭየን ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

በቲ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሓለፈ ብምግላፅ÷ መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ብኤርሚያስ ቦጋለ

Comments (0)
Add Comment