ኣብ ወረዳ ሓውዜን ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ጣቢያ ሞዙተይ ትማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ሰባት እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 19 ሰባት ድማ ጉደኣት በፂሑ።

እቲ ሓደጋ መርዑት፣ አዕርኽቲን ዓጀከብቲን ኣሳፊራ ካብ ዓዲ ሑፃ ዝተብሃለ ከባቢ ናብ ከተማ ሓውዜን እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሽከርካሪትን ሞተር ሳይክልን ብምግጫወን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ሰለስተ 3 ሰዎች ህይወት እንትሓልፍ÷ ኣብ ልዕሊ 10 ሰባት ከቢድ ኣብ 9 ሰባት ድማ ቀሊል ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ፡፡

ከቢድ ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment