ኣብ ወረባቦ ልዕሊ 11 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣብ ወረባቦ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕበረተሰብ ልዕሊ 11 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ተገይሩ።

እቲ ካብ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መውግቢ ፌዴራልን ክልልን ዝተረኸበ ሓገዝ፥ ን13 ሺሕን 552 ክፋላት ሕብረተሰብ ዝኸውን ኢዩ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ወረባቦ ሙኣዝ መሓመድ፥ ተረባሕቲ እቲ ሓገዝ ብምኽንያት ኵናት ጉድኣት ዝበፅሖምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝራእቶም ዝዓነዎምን ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እቲ ሓገዝ ድማ 7 ሺሕን 550 ኩንታል ስርናይ፣ 650 ኩንታል ሕሩጭ፣ 10 ኩንታል ሩዝ፣ 650 ኮቦርታን ሃነፅቲ ምግቢን ይርከቡዎ።

61 ሺሕ ንዝኾኑ ኣባላት ስድራ 11 ሚሊየን 250 ሺሕ ብር ዘውፅኡ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ተገይሮም።

ብእሸቱ ወ/ሚካኤል

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment