ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢራንን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኒውክሌር ስምምነት ንምሕዳስ ኣብ ኳታር ዝተኻየደ ዘተ ብዘይስምምዕነት ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኒውክሌር ንምሕዳስ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዙር ልዝብ ብዙሕ ርሕቐት እንተይተጓዓዘ ከምዝተዛዘመ ኣሸማጋሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኤሪክ ሞራ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ንምቁራፅ እቶ ድርድር ሕድሕዶም ይወቓቐሱ ኣለዉ።
እቶም ኣሸማጋሊ ኣሜሪካን ኢራንን “ሕብረት ኣፍሪካ ተስፋ ዝገበረሉ ስምምዕነት ክገብራ ከምዘይከኣላ ብምግላፅ፥ ኣብ ርእሰደ ከተማ ኳታር ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ዝፀንሐ ዘተ ከምዝተዛተየ ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተኻየደ ድርድር ውሑዳት ውፅኢታት ይመዝገቡ እምበር እቶም ልኡኻት ስምምዕነት ኒውክሌር ንምሕዳስ ካብዚ ዝበለፀ ቅልጣፈ ምስራሕ ከምዝቕፅሉ ምግላፆም ቲኣርቲ ፀብፂቡ።
ኣብ 2015 ዝተፈረመን ብስሩዕ ሓበራዊ መርሃ ግብሪ ሓፈሻዊ ተግባር እናተብሃለ ዝፍለጥን ስምምዕነት ኒውክሌር ኣብ ሓይሊ ፕሮግራም ኒውክሌር ኢራን ጥብቂ ሓለዋ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com