ኣብ ኲናት ዓድዋ ዓወት ዝተረኸበሉ ወተሃደራዊ ጥበብ ብብርኪ ሰርዓተ ትምህርቲ ክሰናዳእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት ዓድዋ ዓወት ዝተረኸበሉ ወተሃደራዊ ጥበብ ብብርኪ ሰርዓተ ትምህርቲ ተሰናዲኡ ኣብ ወተሃደራዊ ሰልጠና ክካተት ኢዩ ተባሂሉ።

ዋና መምርሒ ሰልጠና ትምህርቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኲናት ዓድዋ ዓወት ዝተመዝገበሉ ወተሃደራዊ ታክቲክን ከእለት ኣመራርሓን ጠሚቱ ኣብ ዝተሰናድአ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ይዛተ ኣሎ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ዋና መምርሒ ብርጋዴር ጀነራል ሙሉጌታ ኣምባቸው፥ ኣብ ኲናት ዓድዋ ዓወት ዝተረኸበሉ ወተሃደራዊ ጥበብ ብብርኪ ሰርዓተ ትምህርቲ ክሰናዳእ ኢዩ ኢሎም።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣኒስቲዮ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዓወት ዓድዋ ደቂ ኣኒስቲዮ ዝነበረን ልዑል ግደ ዝድህስስ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ንዘተ ምቕራቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment