ኣብ ኲናት እስራኤል-ሃማስ ብውሕዱ 1 ሺሕን 113 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሃማስን እስራንልን እናተኻየደ ዝርከብ ውግእ ክሳብ ሕዚ ብውሕዱ 1 ሺን 113 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ፡፡

ህይወቶም ካብ ሞንጎ ዝሓለፉ ሰባት እቶም 413 ፍልስጤማውያን እንትኾኑ÷ 700 ድማ እስራኤላውያን ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ጉጅለ ሃማስ ልዕሊ 130 ምሩኻት ኣብ ጋዛ ከምዝዓገተ ኣፍሊጡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ እስራኤል 100 ሺሕ ዝኾኑ ተጠባበቕቲ ወታደራታ ኣብ ጥቓ ጋዛ አዕሪዳ ኣላ፡፡

ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሃማስን ወታደራዊ ሓይሊታት እስራኤልን ዝካየድ ውግእ ብሰለስተ ከባቢታት ደቡባዊ እስራኤል ተጋዲዱ እናቐፀለ ከምዝርከብ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ቦታታት ናይ ካርሚያ ኪቡዝ፣ ኣሽኬሎንን ስዴሮትን ከተማታት ከምዝኾና እንትግለፅ÷ ኣብተን ከባቢታት ከቢድ ውግእ ኣነተሰምዐ ምዃኑ ተሓቡሩ።

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤም ሃማስን ዝካየድ ኲናት ናብ ሙሉእ ውግእ ካብ ዝቕየር ካልኣይ መዓልቱ ኮይኑ ይርከብ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

 

Comments (0)
Add Comment