ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ዝተዓጠቐ ውልቀሰብ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ሰባት ከምዝተቐተሉ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ተሓቢሩ፡፡
ፖሊስ እቲ ተግባር ዝተፈፀመሉን ኣብ ጥቓ ኮፐን ሃገን ናብ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ፊልድን ተኹሲ ኣብ ዘጋጠመ 11 ደቒቕ ውሽጢ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ገሊፁ፡፡
ፖሊስ ኦፊሰር እታ ከተማ ዝኾኑ ሶሬን ቶማስን፥ ፖሊስ ነቲ ተግባር ናይ ራዕዲ ተግባር ኢዩ ኢሉ ከምዝኣምንን ተጠርጣሪ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘይብሉን ኣብሪሆም፡፡
ለይቲ ሙሉእ ብዝተገበረ ስራሕቲ ምፅራይ ተጠራጣሪ ምስ ካልእ ኣካል ርክብ ከምዘለዎ ዘርኢ ሓበሬታ ከምዘይተረኸበ እውን ፖሊስ ምግላፁ ቢቢሲን ስካይ ኒውስን ፀብፂቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com