ኣብ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ብውሑዱ 60 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኣብ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ብውሑዱ 60 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ልዕሊ 100 ሰባት ደሃዮም ኣይተረኸበን።

እታ ጀልባ ኣብ ምብራቓዊ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከተማ ኪንሳሻ ምሸት እናተጓዘት እናሃለወት ምስ ከውሒ ምልታማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም፡፡

ልዕሊ መጠን ዘለዎም ሰባት ፅዒና ከምዝነበረት ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ሩባ ኮንጎ ኢዩ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙዋ ዘሎ፡፡

ብምዃኑ ድማ ብውሑዱ 60 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ልዕሊ 100 ሰባት ደሃዮም ከምዘይተረኸበ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ 300 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ምትራፍ ተኻኢሉ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡ -ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment