ኣብ ኮንሶን ከባቢኡን ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኮንሶን ከባቢኡን ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ህዝቢታት ኮንሶን ኣሌን ንዘበናት ዝዘለቐ ሓድነቶም ክቕፅል ብምገባር ነኒባዕሎም ከም ሓደ ኣባል ስድራቤት ኮይኖም ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

እዚ ሓድነት ዘየሐጎሶም ኣካላት ድማ ረብሓን ድሌቶምን መሰረት ብምግባር ፀገም ፀፅታ ንኽፍጠር ምኽንያት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ሕዚ ግን ህዝቢታት ኮንሶን ኣሌን ዝፀንሐ ሰላሞም ንምቕፃለረ በቢኸባቢኦም ዘሎ ባህሊ ምትሕስሰሳብን ምድግጋፍን ንምድንፋዕ እናተዛተዩ ርከቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ርስቱ ይርዳው፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ደቡብ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተረኸቡ ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽነር መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment