ኣብ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣባላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ . ቢ .ሲ)ኣብ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኣፈፃፅመኦም ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣባላትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ምሃብ ኣፍልጦን ፃንሒት እዋኖም ንዝሸፈኑ በዓል መዓርጋትን ስነ ስርዓት ምልባስን ተሳሊጡ።

ኣዛዚ ስፔሻላይዝድ ኮምፕረሲቭ ሆስፒታል ምክልኻል ብ/ጄ ተገኝ ለታ፥ እቲ ኮሌጅ ብቑዕ ወታደር ሰብ ሞያ ሕክምና ብምፍራይ ንምዕዋት ኣፈፃፅማ ወፍሪ ሰራዊት ዘይትካእ ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ተሸምቲ እቲ ዕለትን ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ኣባላት ሰራዊትን፥ ንተወሳኺ ሓላፍነት ብምድላው ሃገሮም ካብኦም ትደልዮ ኩሉ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብ ሞንጎ ዕቤት መዓርግ ዝረኸቡን ኣፍልጦ ዝተውሃቦምን ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ እቲ ዕቤት መዓርግ ብዝበለፀ ሞራል ስራሕን ተበግሶን ዝፈጥር፣ ዝወሃቦም ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ብብቕዓት ንምውፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ምዝራቦም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment