ኣብ ክ/ከተማ ልደታ ድሕሪ መስጊድ ስልጤ ብዝተፈንጀረ ቡምባ ህይት ሰባት ሓሊፉ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 11ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ልደታ ከባቢ ድሕሪ መስጊድ ስልጤ ብዝተፈንጀረ ቡምባ ህይት ሰባት ምሕላፉ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ኣብቲ ክፍለ ከተማ ንልምዓት ብዝፈረሰ ክቲ ቦታ ብዘይተፈለጡ ውልቀ ሰባት ተደብሪዩ ብዝተረኸበ ናይ ኢድ ቡምባ ጎደና ሓደር ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፤ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከምዘጋጠመ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ኣብቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ምርመራ ፍሉያትን ዝተዋደዱን ገበናት ኮማንደር ኣለማየሁ ኣያልቄ፥ ምስ እቲ ምፍንጃር ተተሓሒዙ ዘሎ ከይዲ ምርመራ እናተፃረየ ከምዝኾነን ውፅኢት ምርመራ ምስተዛዘመ ንሕብረተሰብ ዕላዊ ከምዝግበርን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment