ኣብ ክፍሊት ካሕሳ ግዳያት ሓደጋ መመሓየሺ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መምርሒ መፈፀሚ ሽፋን መድሕን ሳልሳይ ወገን ዝረአ ክፍተት ንምስትኽኻል መመሓየሺ ከምዝግበር ግልጋሎት ፈንድ መድሕን ድሕንነት መገዲ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፈፃሚት ስራሕ እቲ ግልጋሎት ወይዘሮ ፈቲያ ደድገባ÷ ትካላት ሕክምና መንግስቲን ውልቀን ሕክምና ብሓደጋ ትራፊክ ንዝተተጎድኡ ሰባት ክሳብ 2 ሺሕ ብር ብናፃ ህፁፅ ሕክምናን ብሓደጋ ትራፊክ ንዘጋጥም ሓደጋ ሞት መንግስቲ ካሕሳ ይኸፍል ዝብሉ መመሓየሺታት ከምዝግበረሎም ተዛሪቦም።

እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እዚ እዋንን ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘገናዘበን ከምዝኾነ እተን ምክትል ፈፃሚት ስራሕ ኣብሪሀን።

ብኣልማዝ መኮንን

Comments (0)
Add Comment