ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ዓንዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 5 ዕዳጋ ሸላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 10 ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ሾላ ካብ ዝርከቡ 1 ሺሕን 600 ዱኳት 84 ኣብ ዝኾኑ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዎም።

ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ብዝበሩዎ ርብርብ ናብ ካልኦት ቅድሚ ምስፍሕፍሑ ምቁፅፃር ከምዝተኸኣለ ብምሕባር÷ 1 ሺሕን 516 ዝኾኑ ናይ ንግዲ ዱኳናት ምትራፍ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment