ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ኣፈፃፅሙኡ 74 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዞባ ኣኝዋክ ዝርከብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ኣፈፃፅሙኡ 74 ሚኢታዊ ምብፅሑ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ሃገር ለኸ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሊጡ።

ኣብ 5 ሺሕን 950 ካሬ ሜትሮ ዝዓረፈ እቲ ፕሮጀክት፥ 425 ሺሕን 746 ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ሲ ኢቲን ኤን አርን ብዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና እናተሃነፀ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ 5 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ማእኸላይ መስመር ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ህንፀቱ እንትዛዘም ልዕሊ 175 ኪሎ ዋት ካይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ዝኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ 150 ክሳብ 200 ንዘኣኽሉ ዓማዊል ከምኡ እውን ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ግልጋሎት ከምዝህብ ተገሊፁ።

ህንፀት እቲ ፍልልል ሓይሊ ፀሓይ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ተዛዚሙ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጅምር ካብ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment