ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽንያት ውሕጅ 16 ሺሕ ወገና ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ክሰፍሩ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢ ዶግዓ ብዝወቕዐ ልዑል ዝናብ ምኽንያት ኣብ ወረዳታት ጎግ፣ ላሬ፣ ጆርን ዋንቱዋ ኣብ ዝርከባ ቀበሌታት ምዕልቕላቕ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ኣመራርሓ ስራሕ  ስግኣት ሓደጋ ክልል ጋምቤላ ኣፍሊጡ፡፡

ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ እውም ልዕሊ 16 ሺሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ንግዚኡ ደረቕ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ክሰሰፍሩ ከምዝተገበረን ተሓቢሩ፡፡

ምስ መንግስቲ እቲ ክልልን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝርራብ እቶም ተመዛበልቲ ቅልጡፍ ሓገዝ ዝበፅሐሉ ኩነታት ከምዝተመዓራረየ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ኣባይቲ ዝነበሩ ናውቲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ እንስሳትን ዝራእቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment