ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተርግበር መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሓገዝ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተርግበር መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ተጀሚሩ።

እቲ ፕሮጀክት፥ “ንማዕርነት ስርዓተ ፆታ ቆራፅነት ማሕበራዊ ጥዕና” ብዝብል መርሃ ግብሪ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ረዳታት ከምዝትግበር ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝሓበሩዎ፥ ተረባሕት ኣገልግሎት ጥዕና ማሕበረሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዎ ብርኪ ንምምሕያሽ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ዛዕባ ጥዕና ሓበራዊ ብምግባር እናሰርሑ ይርከቡ።

ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይ ዘድሊ ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ግንዛበ ምፍጣርን ክትትል ምግባርን ጥንካረ ኣእምሮን ኣካልን ዘለዎ ናይ ሃገር ተስፋ ወለዶ ንምፍራይ ኩሉ ብፅሒቱ ከበርክት ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ንተግባር እቲ ፕሮጀክት ዝተፈላለያ ወረዳታተት ዲማ ፣ መንገሺ፣ ኢታንግን መኮይ ዝተፀርሓ እንትኾና፥ ኣብተን ከባቢታት 20  ኣቢያተ ትምህርቲ፣ 12 ጣቢያታት ጥዕና፣ ሰለስተ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ከምዝተፈለያ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment