ኣብ ክልል ደቡብ 29 ጥሪ ንዝካየድ ህዝበ ውሳኔ ምዝገባ መረፅቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ዝርከባ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም ህዝበ ውሳኔ ከምዘካይድ ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ነዚ ዕላማ ኣብ ዘውፀኦ ግዘ ሰለዳ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተፀርሑ ቦታታት ሎሚ መዓልቲ 11 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ምዝገባ መረፅቲ ከምዝጀመረ ካብ ቦርድ መረፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ክልል ህዝበ ውሳነ ዝካየደሎም ሸዱሽተ ዞባታ ኮንሶ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ወላይታ፣ ጋሞ፣ ጌዴኦን ጎፋን እንገትኾና÷ ሓሙሽቲአን ወረዳታት ድማ ቡርጂ፣ ባስኬቶ፣ ኣሌ፣ አማሮን ደራሼን ኢየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment