ኣብ ክልል ደቡብ ዘጋጥም ድርቂ ብዘላቒ ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ተደጋጋሚ ድርቂ ኣብ ዘጋጥሞም ከባቢታት ብዘላቒነት ድርቂ ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ቢሮ ሰበኽ ሳግም እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መርሃ ግብሪ መጀመሪ፥ ፕሮጀክት ድሕንነት ምግቢን ስርዓተ ምግቢን ቀርኒ ኣፍሪካ (ብሪፎንስ) ን ምንካይ ስግኣት ሓደጋን መካተቲ መመሓየሺ እታወት ኢኮኖሚ (ድራይቭ) ዝተብሃሉ ፕሮጀክታ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኦሞ ከተማ ቱርሚ ተኻይዱ።

ሓለፊ ቢሮ ሰበኽ ሳግም እቲ ክልል ኣይተ ሎሬ ካኩታ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ድርቂ ዝፃወር ማሕበረሰብ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ።

ንድርቂ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ተሓንፂፆም እናተተግበሩ ከምዝኾኑ እውን ኣገንዚቦም።

ሎሚ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት እውን ድርቂ ምፅዋርን ንሓደጋ ዘይብዳህ ጥንኩር ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ብብርኪ ፈተነ ተተግቢሩ ውፅኢታዊ ዝኾነ ኢንሹራንስ እንስሳት ንማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ውሕስና ዝህብ ምዃኑ ከምዝተረጋገፀ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment