ኣብ ክልል ደቡብ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ደቡብ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት ዘዘዋውሩ ዝነበሩ 7 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ከምዝበሎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልል ደቡብ ኦባታት ኦሞ፣ ካፋ፣ ኮንሶን ሸካን ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍትሽ 25 ክላሽን ኮቭ ጠበንጃ፣  4 ሽጉጣትን 11 ተተኮስቲ ጥይትን ተታሒዞም።

እቶም ዘይሕጋዊ ኣፅዋራት ኲናት እንተዘዋውሩ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ጉዳዮም ይፃረ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ካብቶም ዝተትሓዙ ሰባት እቶም ክልተ፥ ኣብ ደቡብ ኦሞ ከተማ ጂንካ ክልተ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት መሲሎም ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ከምዝርከብዎም እውን ተገሊፁ።

እቶም ሰባት ብናይ ሀዝቢ ሓበሬታ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ሽዱሽተ ሞባይልን 11 ዝተፈላለዩ ደፍተራት ባንኪ ሒሳብን ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ።

ህወሓትን ሃገር ንምፍራስ እናተጓየዩ ዘለዉን ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰላም ህዝቢ ንምፍራስ ዝገብርዎ ፃዕሪ ንምፍሻል ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ሕብረተሰብን ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment